ደቡብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ህሉው ዝምድንአን ብምትኳር ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 16 June 2020

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ቢያትሪስ ካሚሳ፣ ንኣምባሳደር ግብጺ፣ መሓመድ ቓዳሕ፣ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታ ኣዘራሪባቶ።

እታ ሚኒስተር ምስቲ ግብጻዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብ13 ሰነ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝገብርኦ ዘለዋ ምትሕግጋዝን ኣብ ካልእ ናይ ናይ ምትሕብባር መደባት ዘተኮረ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ምስ ግብጻዊ ኣምባሳደር ዝገበረቶ ርክብ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም’ያ እናተባህለ ብመርበባት ሓበሬታ ዝጋዋሕ ዘሎ ዜና ዘተኮረ ምንባሩ ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

ሓያሎ ማዕከናት ዜና ሱዳንን ግብጽን፣ ብዛዕባ ምምስራት ወትሃደራዊ መዓስከር ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝጠቕስ ዓንቐጻት እኳ እንተቕረባ፣ ክልቲኦም መንግስታት ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃብሉን።

ግብጺ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጻዕርታት፣ ወትሃደራዊ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ሃገራት ርክባታ ተሓይል ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0