ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊ ቆልዓ ገዚኡ ሰበይቱ ዝገበረ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ፣ ሓወልቲ ክፈርስ ንዝቐረበ ጻውዒት ከንቲባ ሚላኖ ነጺግዎ

Radio Erena: 16 June 2020

ሓወልቲ ናይቲ፣ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ፣ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ገዚኡ ሰበይቱ ከምዝገበራ ዝተገልጸ ኢጣልያዊ ኢንድሮ ሞንታኔሊ ከምዘየልግሶ ከንቲባ ከተማ ሚላኖ፣ ጂሰፐ ሳላ ኣፍሊጡ።

እቲ ደጋፊ መግዛእቲ፣ ባርነት ጸለምቲን ፋሺስትን ከምዝነበረ ዝንገረሉ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ፣ ኣብ 1930 ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ፣ ንጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ብገንዘቡ ገዚኡ ሰበይቱ ከምዝገበራ’ዩ ተኣሚኑ።።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ፣ ሓወልቲ ሸያጦ ባራዩ፣ ደገፍቲ መግዛእትን ዓሌታውያንን ናይ ዝነበሩ ህቡባት ሰባት ይዓኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ሚላኖ ዝርከብ ሓወልቲ ‘ዚ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብገንዘቡ ዝገዝአ ኢጣልያዊ ክዓኑ ካብ ሰልፈኛታት ንዝቐረበ ጻውዒት ዝነጸገ ከንቲባ ሳላ፣ ንሓርነትን ናጽነት ሓሳባትን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበረ ጋዜጠኛ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኢንድሮ ሞንታኔሊ ኣብ 1969 ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌቪዥን ቃለ መጠይቕ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ግዝኣት ኢጣልያ ኣብ ዝነበረት ኤርትራ፣ ወዲ 24 ዓመት እንከሎ፣ ደስታ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ካብ ኣቡኣ ብገንዘብ ገዚኡ፣ ከም ሰበይቱ ከምዝሓዛ ተኣሚኑ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ “ደስታ ሽኮሪና ቆልዓ’ያ ኔራ። ኣብ ኣፍሪቃ ከምዚ ከይመስለኩም” ብምባል እናሰሓቐ ንዘሕለፎ ናይ ገዛእን ተገዛእን ህይወት ብምትዕናን ገሊጽዎ።

ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ኤልቪራ ባኖቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ሞንታኖሊ ዘቕረባ መግለጺ ብምቅዋም፣ ብዓመጽን ግፍዕን’ያ ወቒሳቶ።

እንተኾነ ንሱ፣ “ኣብ ኤርትራ ኣብቲ እዋን’ቲ ደቂንስትዮ ኣብ 12 ዓመት ምምርዓው ልሙድ’ዩ ዝነበረ፣ ከም ናይ ኤውሮጳ ኣይኮነን” ክብል እኳ እንተመለሰላ፣ ንሳ ግን ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኤውሮጳ እንታይ ኣካላዊ ፍልልይ’ዩ ዘለዋ ክትብል መጉታቶ።

ሞንታኔሊ፣ ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 2001 ድሕሪ ሙሟቱ፣ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ኢጣልያ ንዝገበሮ ኣበርክቶ፣ ኣብ ከተማ ሚላን ሓወልቲ ቆይሙሉ።

ድሕሪ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ዓሌታውነት ድሕሪ ዝተበገሳ ተቓውሞ፣ ነበርቲ ሚሊና፣ ኣሰር ሓያሎ ከተማታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብምስዓብ፣ ሓወልቲ ናይዚ ንጓል 12 ዓመት ኣፍሪቃዊት ቆልዓ ናይ ጾታዊ ርክብ ግዝእቱ ዝገበረን ዓሌታዊ ምዃኑን ዝተጠቕሰ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ክዓኑ ዝሓቱ ዘለዉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0