ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ

Radio Erena: 16 October, 2014

Uganda

ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ኣብ ምትሕግጋዝ ወትሃደራዊ መዳይ ዘተኮረ ስምምዕ ከቲመን።

እቲ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ምዃኑ ዝተነግረሉ ስምምዕ ክልትኤን ሃገራት፣ ዘጠቓለሎ ነጥብታት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ ኡጋንዳ ኣብ ክንዲ ደቡብ ሱዳን ኮይና ኣጽዋርን ወትሃደራዊ ቴክኖሊጂን ክትሽምት ዝፈቕድ ዝብል ከምዝርከቦ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

ብኢጋድ ተማእኪሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ገና ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልብኡ ከይበጽሐ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ኡጋንዳ ወትሃደራዊ ስምምዕ ምኽታሙ ነቲ መስርሕ ሰላም ከየሰናኽሎ ይስጋእ።

 

ኡጋንዳ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ሳል ቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ሰራዊታ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝልኣኸት’ውን ኣይርሳዕን።

ኡጋንዳ፣ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ወትሃደራታ ምልኣኻ ንፕረዚደንት ሳል ቫኪር ካብ ዕልዋ ከምዘድሓነቶ’ውን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ጠቒሱ።

ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ኣብ ወትሃድድደራዊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ንግድን ወፍርን’ውን ብሓባር ክሰርሓ ውጥን ከምዘለወን’ዩ ዝግለጽ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0