ደቀንስትዮ ዝጽቀጣለን ሃገራት፡ ዝደኸያን ዘይተረጋጋኣን ምኹዋነን ተገሊጹ

Radio Erena: 22 December 2021

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጸቕጢ ምስ ዝግበር፡ ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነ ወዲ ተባዕታይ’ውን ይጉዳእ እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕብረተሰብ ድኻ ይኸውን ሃገር ድማ ዘይተረጋግአት ትኸውን ክትብል መጽሄት ዘ ኢኮኖሚክስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ገሊጻ።

ኣብ ልዕሊ 176 ሃገራት ብዝተገብረ መጽናዕቲ መሰረት፥ እተን ብባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ናይ ወዲ ተባዕታይ ልዕልና ብዘኸተሎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጸቕጢ ዝረኣየለን ሃገራት እተን ዝደኸያን ዘይተረጋጋኣን ሃገራት ኮይነን ተረኺበን።

ኣብተን ሃገራት ብተወሳኺ፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ንኡስ ዕድሜአን ዘመርዕዉ፡ ሰብኣይ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ክምርዓው ዘፍቅዱ፡ ኣብ ውሉዳት ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዘቐድሙ፡ ደቂ ኣንድትዮ ከም ኣቕሓ ብገዝሚ ዝለዋወጡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወጻኢ እንተተመርዕያ ክቐትልዋ ድሕር ዘይብሉ ሕብረተሰባት ይርከብወን።

ሃገራት ብተወሳኺ፡ ዲሞክራሲ ዘይብለን ኣብ ልዕሊ ምኳነን ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ዘይክበረን ኮይነን ይርከባ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ሃገራት ኣስውትራልያ፡ ስዊድንን ስዊዘርላንድ ዝለዓለ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ዝወሓደ ጸቕጢ ዘለወንን ክኾና እንከለዋ፥ ዒራቕ፡ ናይጀርያ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታንን ሓያሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ዝተሓተ ነጥቢ ኣመዝጊበን።

ካብ 170 ሃገራት ዛጊት እተን 120 ብዝሓየለ ይኹን ብመጠኑ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጸቕጢ ይርአ ብምኻኑ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ጌና ሓያል ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ ኮይኑ ተሪፉ ከምዘሎ መጽሄት ዘ ኢኮኖሚክስ ትገልጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0