ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዕምቆት ከፋፊሉ

Radio Erena: 22 December 2021

ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ዲያስፖራ ማለት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝቕመጡ ኢትዮጵያውያን ዓምዩቕ ምክፍፋል ፈጢሩ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ብምኳኑ ብቐሊሉ ክሓዊ ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ ዝብል ትንተና ይወሃቦ ኣሎ። በብወገኖም ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ምዕራብ ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ።

ብብዝሒ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝካየደለን ዘሎ ከተማታት ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ ከምኡ’ውን ከተማ ዋሺንግቶን ዲሲ ኮይነን፤ ኣብ መንጎ ንሓይልታት ትግራይ ብምድጋፍ ሰልፊ ዘካይዱን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ዝድግፉ ሰልፈኛታትን ፈጺሙ ዘይቃዶ ምግምማዕ ኣሎ።

ንሓይልታት ትግራይ ዝድግፉ ተጋሩ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽን ከምዝተኻየደ’፡ ‘ዓለም ነቲ ቅትለት ጃምላዊ ህልቂት ማለት ‘Genocide’ ኢሉ ክጽውዖ ክጉስጉሱን ወሪዱ ናይ ዝበልዎ በደል መርትዖታት ኣብ ምንጽብራቕ ይርከቡ።

ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኖም ህወሓት ንኢትዮጵያ ክበታትን ዝፍትን ዘሎ ግብረሽበራዊ ጉጅለ እዩ ብምባል No More ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኢደን ከየእትዋ ክጽውዑ ጸኒሖም።

ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፤ ብፍላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ ህውሓት ከምዝወገነ እዮም ዝገልጹ፡ ማዕከናት ዜና ቢቢሲ፡ ሲ ኤን ኤን፡ ኣልጀዚራን ካልኦት ማዕከናት ዜና ዓለም ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ዝህበኦ ጸብጻባትን መርትዖታትን ድማ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ንሳቶም ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ኣፍሪቃ ድማ ሽግራ ንምፍታሕ ብቕዓት ኣለዋ ብምባል እቲ ጉዳይ ኣፍሪቃዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

ተጋሩ ሰልፈኛታት ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ብሰንኪ ዝወረደ በደል ዳግማይ ምስ ኢትዮጵያ ተጸምቢሮም ክነብሩ ከምዘይክእሉ ይገልጹ።

ኣብዚ ኣንጻራዊ ሰልፍታት፡ ኤርትራውያን ብወገኖም ኣብ ክልተ ተገሚዖም ኣለዉ። ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኣለና ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ብፍላይ ደገፍቲ ህግደፍ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ይጽንበሩ ኣለዉ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0