ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ሓድሽ ምልክታት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ከምዝተራእየ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 August 2022

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ሓድሽ ምልክታት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ሮይተርስ ንሰብሞያ’ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣብ በኒ ዝተባህለት ከተማ፣ ኢቦላ ብዘስዕብ ቫይረስ ዝተለኽፈት ጓለንስተይቲ ተረኺባ።

እታ ጓል 46 ዓመት ተሓካሚት፣ ኣብ ፍሉይ መወሸቢ ማእከል ተወሲዳ መርመራ ምስ ተገብረላ፣ ምስቲ ብ2018 ዝተኸስተ ለበዳ ኢቦላ ቫይረስ ዝተኣሳሰረ ሕማም ምዃኑ ተፈሊጡ።

ክልተ መዓልታት ኣቐዲሙ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ እቲ ለበዳ ዳግማይ ክለዓል ተኽእሎ ከምዘሎ ዘርእዩ ምክልታት ብምርካቦም፣ ሰብ ሞያ ጥዕና’ታ ሃገር መርመራታት የካዩዱ ምህላዎም ኣፍሊጡ እዩ።

ኢቦላ ቫይረስ፣ ኣብ ዓይኒ፣ ማእከላይ መትንታት ኣእምሮን ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ፈሰስቲ ነገራትን ንዓመታት ተሓቢኡ ጸኒሑ፣ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ከጥቅዕ ዝኽእል ሓደገኛ ተሃዋሲ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንኮ ኣብ 2018 ዝተራእየ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተለ ዝዝከር እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0