ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካሪም ክሃን፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ገይሩ

Radio Erena: 24 August 2022

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ካሪም ክሃን፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ገይሩ።

ኣብቲ ትማሊ 23 ነሓሰ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ዘካየዶ ርክብ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ገበን ዝፈጸሙ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበር፣ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ መንገዲ ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ዑመር ኣል በሽር ዝርከቦም ሓያሎ ሰበስልጣን ነበር፣ ገበነኛታት ምዃኖም ዘቃልዕ ሓድሽ መርትዖታት፣ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ቀሪቡ።

እቲ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ዘ-ሄግ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝጠልብ ድምጺ ግዳያት፣ ሎሚ’ውን እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።

ብዛዕባ’ቲ ቀሪቡ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ መርትዖታት ግና፣ ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ዑደቱ፣ ‘ቁሻይብ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ ዓብደል-ራሕማን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሓለፍቲ ጸጥታን ሰራዊትን ነበር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ዝፈጸሙዎ ጃምላዊ ህልቂትን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን፣ ሕጋዊ መዕለቢ መንታን ክግበረሎም፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከቡ ኣለዎም ኢሉ።

ቆንስል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ንዑመር ኣልበሽር ናብ ዘ-ሄግ ክርከብ ንዝብል ሓሳብ ኣብ ክልተ ገሚዑዎ ምንባሩ ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0