ዮርሳሌም፣ እስራኤል ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተመቶ ውዕል ምጥያስ ስደተኛታት ከተሐድስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ዮርሳሌም፣ እስራኤል ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተመቶ ውዕል ምጥያስ ስደተኛታት ከተሐድስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 April 2018

eri demo

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ዮርሳሌም፣ ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ውዕል ምጥያስ ስደተኛታት ከሐድስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ቤት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ሓደ መዓልቲ’ውን ከየቑጸረ ዝተቛረጸ ስምምዕ ምጥያስ ስደተኛታት ክሕደስ ኣብ ርእሲ ምጽውዑ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ቅኑዕ ከምዘይኮነ’ውን ዝኹንን’ዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣስታት 3 ሽሕ ዝኾኑ እስራኤላውያንን ኤርትራውያንን ተረኺቦም።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣስታት 36 ሽሕ ስደተኛታት ፍርቆም ናብ ሃገራት ምዕራብ ፍርቆም ድማ ኣብ እስራኤል ብሕጋዊ መልክዕ ክጣየሱ ኣብ መንጎ መንግስቲ እስራኤልን ሕቡራት ሃገራትን ብ2 ሚያዝያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣማስይኡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝሰረዞ ምሕባሩ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ርዋንዳ ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 50 ስደተኛታት ብሮቡዕ ኣርባዕተ ሚያዝያ ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምድረበዳ ኔጌቭ ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ተሓይሮም ከምዘለዉ ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0