ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ንምእላያ፤ ኣመሪካን ነዘርላንድስን ሓድሽ ተበግሶ ወሲደን

Radio Erena: 29 May 2022.

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ንምእላያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘውጾኦ መደብ ንምድጋፍ፤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ነዘርላንድስን ሓድሽ ተበግሶ ወሲደን።

ሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት፤ ምስ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ተራኺቦም ኣብ ዝበጽሑዎ ስምምዕ፤ እታ ዝተራሕረሐት መርከብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘዋስነን ሃገራት እተስዕቦ ሓደጋ ቀሊል ከምዘይከውን፤ ስለዚ ከኣ ጽዒናቶ ዘላ ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ካልእ ታንከር ክሰጋገር ናይ ግድን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ነታ ዝተራሕረሐት መርከብ ንምእላይ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውጺኡዎ ዘሎ መደብ ናይ 144 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዘድልይ ተገሊጹ’ዩ። ካብዚ እቲ 80 ሚልዮን ዶላር፤ ነቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ካልእ ግዚያዊ ታንከር ምስግጋር የጠቓልል።

ዛጊት ፍርቂ ናይቲ ተመዲቡ ዘሎ ገንዘብ ጥራይ እዩ ተዋጺኡ ዘሎ።
ኣመሪካን ነዘርላንድስን ብዘይካ’ቲ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘዋጽኣሉ ሓገዝ፤ ካልኦት ሃገራት እውን እጃመን ከበርክታ ኣብ ምጉስጓስ ክነጥፋ ምዃነን ኣብቲ ኣጋጣሚ ቃል ኣትየን።

እዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብእዋኑ እንተዘይተኣልዩ እሞ እቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክዘሩቕ እንተጀሚሩ፤ ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብምግፋፍ ዓሳ ዝነብር ህዝቢ ብሕሱም ክጉዳእ እዩ።

ንምጽራጉ እውን ብውሑዱ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክሓትት እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0