እስራኤል ምስ ሱዳን ዝምድና ንምምስራት እትገብሮ ዘላ ፈተነ ደው ከተብል፤ ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 29 May 2022.

እስራኤል ምስ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምምስራት እትገብሮ ዘላ ፈተነ ደው ከተብል፤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸዊዓ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብዕለት 27 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፤ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝመጸ ስለዝኾነ፤ ክኹነንን ክንጸልን እዩ ዘለዎ ብምባል፤ እስራኤል ምስ ሰበስልጣን’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ እትገብሮ ዘላ ዘተ ደው ከተብሎ ጸዊዑ።

ሰበስልጣን ሱዳን ተደጋጋሚ መገሻታት ናብ እስራኤል ምክያዶም፤ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ስክፍታታት ከሕድር ጸኒሑ’ዩ። ብመሰረት ማዕከን ዜና ‘ዘ ጂውሽ ኢንሳይደር’ ዘቕረቦ ጸብጻብ፤ ናዕቢ ህዝቢ ሱዳን ክግታእ፤ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ካብ እስራኤል ሓገዝ ሓቲቱ እዩ።

ተጣበቕቲ መሰላት ሱዳን ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብወገኖም፤ እስራኤል ምስ ሱዳን ዝምድና ክትምስርት ምድላያ ንቡር እኳ እንተኾነ፤ ድሌት ህዝቢ ረጊጹ ብሓይሊ ስልጣን ምስ ዝሓዘ ጉጅለ ምስራሕ ግና፤ ምስቲ ጽባሕ ዝምስረት ደሞክራስያዊ መንግስቲ ጸገም ክፈጥረላ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፤ ሰበስልጣን እስራኤል ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ነቲ ብዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ተመሪሑ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ጉጅለ ብዘይምኹናኖም ከምዘተሓሳስቦ ብምግላጽ፤ እራኤል ብቁጠባዊ ረብሓኣ ምሕሳብ ንግዚኡ ደው ኣቢላ፤ ብዛዕባ ህዝቢ ሱዳን ክትሓስብ ጸዊዑ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ሱዳን ብሓይሊ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፤ ሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታ እስራኤል ናብ ሱዳን ምብጻሕ ከካዪዱ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0