ዩጋንዳ፣ ለበዳ ኢቦላ ንምግታእ ዝተኣወጀ ምድራት ምንቅስቓስ ተላዒሉ

Radio Erena: 18 December 2022

መንግስቲ ዩጋንዳ ኣብ ክልተ ዞባታት እታ ሃገር ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከምዘልዓሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኢቦላ ንምግታእ ተባሂሉ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ሙበንደን ካሳንዳን ካብ ቀዳም 17 ታሕሳስ ኣትሒዙ ብወግዒ ከምዝተላዕለ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፣ ኣብ’ዘን ክልተ ዞባታት ንልዕሊ 37 መዓልታት ዝኾነ ምልክት ኢቦላ ስለዘይተራእየ፣ ካብ ሓደጋ ለበዳ ናጻ ኮይነን ኣለዋ ኢሉ።
ሰብ ሞያ ጥዕና’ታ ሃገር፣ እቲ ምድራት ምንቅስቓስ ገና ንተወሳኺ 24 መዓልታት ክቕጽል ኔሩዎ ብምባል፣ ዩጋንዳ ካብ ሓደጋ እቲ ለበዳ ገና ከምዘይተናገፈት ይገልጹ።
ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ንለበዳ ኢቦላ ንምቁጽጻር ዝሰልጠኑ 3,600 ክኢላታት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ’ሎ።
‘ለበዳ ሕማም ኢቦላ ዘይከም ኮቪድ 19፣ ብምትንኻፍን ካብ ኣካላት ብዝምንጭዉ ፈሰስቲ ነገራት ዝመሓላለፍ ብምዃኑ፣ ብቐሊሉ ክንቆጻጸሮ ክኢልና’ ክብል’ዩ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝገልጽ።
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣብ ዩጋንዳ፣ 142 ሰባት ብሕማም ኢቦላ ከምዝተጠቕዑ ክምዝገብ እንከሎ፣ 56 ካብኣቶም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0