ሱዳን፣ መጀር ጀነራል ኣሕመድ ዓብደልራሒም ሃንደበት ተሰዊሩ

Radio Erena: 18 December 2022

ኣብ ሱዳን፣ ሃንደበታዊ ምስዋር መጀር ጀነራል ኣሕመድ ዓብደል-ራሒም ኣላህ ብዝምልከት፣ ተጋራጫዊ ሓበሬታ ይመሓላለፍ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ጀነራል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሃንደበት ብምስዋሩ፣ ምስቲ ብተኸታታሊ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ምስዋር ሰበስልጣን ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጣረታት ብሰፊሑ ይንገር።
ጀነራል ኣሕመድ ዓብደል-ራሒም፣ ሓደ ካብ’ቶም ከበድቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ዘቖሙ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን እዩ።
ኣብ መንጎ ዶባት ሱዳን፣ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጫድን ተመስሪቱ ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ነቲ ጀነራል ጨውዩዎ ክኸውን ከምዝኽእል ገለ ተንተንቲ ክገልጹ እንከለዉ፣ ብስም ትካላት ምሕላው ኣብታ ሃገር ኣትዩ ዘሎ ሩስያዊ ትካል ዋግነር እዩ ጨውዩዎ ዝብል ትንታነታት እውን ብካልኦት ወገናት ይወሃብ።
ሓደገኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ዶብ ሱዳን፣ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጫድን፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ዝንቀሳቐሱሉ ክኸውን እንከሎ፣ ሩስያዊ ትካል ዋግነር እውን ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዎ ይንገረሉ።
መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፣ ነቲ ተሰዊሩ ዘሎ ጀነራል ‘ምስ መንግስቲ ጫድ ብምትሕብባር ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቕውም ይፍትን ኣሎ’ ኢሉ ክኸሶ ብምጽንሑ፣ ኣብ ምጭዋዩ እውን ኢድ ኣለዎ ዝብል ትንተና ብማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ተዋሂቡዎ ኣሎ።
መንግስቲ ሱዳን ምስዋር ናይዚ ጀነራል ኣሕመድ ዓብደል-ራሒም ኮነ ካልኦት ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0