የመን፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስተር

የመን፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስተር

 

Radio Erena: 14 October, 2014

Yeme New PM

 ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሺዓ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝተረቁሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምንጻጎም፣ እንደገና ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ተመዚዙ።

 እቶም ምስ መንግስቲ የመን ስምምዕ ከቲሞም ዘለዉ ተቓወምቲ ሁቲ፣ ኣቐዲሙ ንዝተረቑሐ ወዲ 46 ዓመት ኣሕመድ ዓዋድ ቢን ሙባረክ ንህዝብን ሉኣላውነትን የመን ዘይውክል’ዩ ክብሉ ክነጽግዎ እንከለዉ፣ ሕጂ ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ተመሪጹ ንዘሎ ካልድ ባሃህ ግና ደገፎም ኢቦም ኣለዉ።

 

 

49 ዓመት ዝዕድሚኡ ካልድ ባሃህ፣ ኣቐዲሙ ኣምባሳደር የመን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኮይኑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን ትማሊ ብፕረዚደንት ድሕሪ ምርቑሑ ብተቓወምቲ ሁቲ’ውን ምሉእ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።

 

እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር እብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኩሎም ወገናት ዝተወከሉ፣ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ከቕውም’ዩ።

 

ምቛም ሓድሽ መንግስቲ የመን፣ ነታ ንሓይሎ ዓመታት ካብ ግጭት ዘየዕረፈት ሃገራት ብተዛማዳ ዝሓሸ ናይ ርግኣት ሃዋሁ ክፈጥረላ ትጽቢት ኣሎ።
=============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0