የመን፣ ወደብ ሖዴይዳ ንምቁጽጻር ዝካየድ መጥቃዕታት ብዝልዓለ ሓይሉ ይቕጽል

የመን፣ ወደብ ሖዴይዳ ንምቁጽጻር ዝካየድ መጥቃዕታት ብዝልዓለ ሓይሉ ይቕጽል

Radio Erena: 09 November 2018

Hodeidah

ኣብ የመን፣ ንወደብ ሖደይዳ ንምቑጽጻር ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝጀመረ መጥቃዕታት ይቕጽል ኣሎ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተደገፉ ሰራዊት የመን፣ ንሓያሎ ክፋል እታ ወደባዊት ከተማ ካብ ሑቲ ከምዝመንዝዑዋ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሑቲ፣ ዕርድታቱ ናይ ምድልዳል ምንቕስቓስ እንተዘይኮይኑ ነታ ከተማ ከምዘይሓድጋ’ዩ ዝሕብር።

ነፈርቲ ውግእን ካብ መራኽብ ዝውንጨ ዘሎ ሚሳይላትን ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ሲቪላዊ ትካላት ዒላማ ይገብር ከምዘሎ ዝገልጹ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፣ ኣብ ሆስፒታልን ኣብያተ ትምህርትን ዝነበሩ ቆልዑን ወለዱን ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ምዃኖም የመልክቱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ኣብዛ ወደብ እተካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ናይ ነፈርትን መራኽብን ደብዳብ፣ ንወደባት ኤርትራ ከም መናሃርያ ትጥቐመሉ ከምዘላ ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0