የመን፣ ክልተ ሚኒስተራት ፈተነ ቅትለት ተኻይድሎም

Radio Erena: 30 October 2019

ኣብ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚኒስተራት ፈተነ ቅትለት ምክያዱ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣሕመድ ኣልማይሳሪ ከምኡ ድማ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሳልሕ ኣል ጃባዋኒ፣ ኣብ ደቡብ የመን፣ ዞባ ሻባዋሕ፣ ከተማ ዓጣቃ፣ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ መኪና ቦምብ ነታጕ ብምጽዋድ’ዩ፣ ብ29 ጥቅምቲ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሎም።

ከተማ ዓጣቕ፣ ግዜያዊ መንበረ መንግስቲ ናይቲ ኣብ ስደት፣ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ’ያ።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ሚኒስተራት ናይቲ መንግስቲ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ሓለፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዞም ክልተ ሚኒስተራት ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት፣ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ብሕቡራት ኢማራት ዝሕገዙ፣ ንደቡብ የመን ንምጻል ዝንቀሳቐሱ ሚሊሻን ስምምዕ ምኽታሙ’ዩ ተፈጺሙ።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0