የመን፣ ኣብ ምርኢት ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ወትሃደራት ብዝተፈጸመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ተቐቲሎም

Radio Erena: 31 December 2019

ኣብ ደቡባዊ የመን፣ ኣብ ምርኢት ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ወትሃደራት ብዝተኻየደ ናይ ባለስቲክ ሚሳይል መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ሰልፊ ዝነበሩ ወትሃደራት፣ ብሕቡራት ኢማራት ናይ ዝድገፉ ኣካል ሰራዊት መንግስቲ ምዃኖም’ውን እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ናይቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለን፣ ዝተፈላለዩ ወገናት ንሑቲ ይወቕሱ።

ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፍን ሓያሎ ሚሊሻታቱ ኣብ ኤርትራ ከምዝስልጥኑን ዝንገረሉ፣ ንደቡብ የመን ንምንጻል ዝንቀሳቐስ ኣካል ሰራዊት የመን፣ ኣብ ስደት ካብ ርከብ መንግስቲ የመንን ሑቲን ተቓውሞ ክገጥሞ ምጽንሑ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0