የመን፣ ናይ ውግእ ነፋሪት ወዲቓ ተሓምሺሻ

Radio Erena: 17 February 2020

ኣብ የመን፣ ኣብ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝተዋፈረት ናይ ውግእ ነፋሪት ስዑዲ ዓረብ ወዲቓ ከምዝተምሓምሸሸት ተገሊጹ።

እታ ቶርኔዶ ዝዓይነታ ናይ ውግእ ነፋሪት ስዑዲ፣ ብ14 ለካቲት፣ ኣብ ዞባ ኣልጃውፍ፣ ከባቢ ኣልሓይጃ ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ደሃዮም ኣይተፈልጠን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት፣ ንጽባሒቱ ኣብ ዝገበረቶ ጽዑቕ ናይ ግብር መልሲ ደብዳብ ብውሕዱ 31 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሑቲ ኣመልኪቱ።

ኣብ የመን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከምዝሞቱን 12 ድማ ከምዝቖሰሉን ብምጥቃስ ናብቲ ከባቢ ቀዳማይ ረዲኤት ምውፋሩ ጠቒሱ።

ኣፈኛ ናይቲ ኣብ የመን ዝተዋፈረ ናይ ልፍንቲ ሓይሊ፣ ኮለነል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ የመን ኣብ ነፋሪት ስዑዲ ዓረብ ከምዝወደቐት ብምርግጋጽ፣ ንኣብረርታ ንምድሓን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ኣብ ሰባት ሓደጋ ኣብጽሑ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመሐን ኤርትራ እትርከቦ ልፍንቲ 31 ሃገራት ዝሓቖፈን ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ የመን፣ ከምቲ ዝተወጠኖ ክኸይድ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ስዑዲ ኢማራትን ደብዳብ ነፈርቲ ይቕጽልኦ ኣለዋ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0