የመን፣ ብሕማም ውጽኣት ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 500 በጺሖም

የመን፣ ብሕማም ውጽኣት ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 500 በጺሖም

Radio Erena: 02 June 2017

yemen

ኣብ የመን፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም ሸሮኽ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ፣ ኣስታት 500 ከምዝበጽሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።
እቶም ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኣቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙን ከምዝሞቱ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ እዚ ድማ ናህሪ ናይቲ ሕማም እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዉ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ የመን ምስ ዘሎ ውግእን ሓፈሻዊ ኩነታትን፣ ሆስፒታላት እታ ሃገር ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ኮይኑወን ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ መድሃኒትን መግብን ዝኣመሰለ ህጹጽ ረድኤት ናብታ ሃገር ከይኣቱ’ውን ብዙሕ መሰናኽላት ገጢምዎ ይርከብ።

እቲ ብሰንኪ ጽሬቱ ዘይሓለወ ዝስተ ማይን መግብን ዝኽሰት ሕማም ኣብ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ካልኦት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን ጸጸኒሑ ይርአ ምህላዉ ይጥቅስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0