የመን፣ ሰራዊት መንግስቲ ንከተማ ሰንዓን ሖደይዳን ዘራኽብ መስመር ተቖጻጺሩ

የመን፣ ሰራዊት መንግስቲ ንከተማ ሰንዓን ሖደይዳን ዘራኽብ መስመር ተቖጻጺሩ

Radio Erena: 12 September 2018

yemenawi wugueብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝድገፍ ሰራዊት የመን፣ ንከተማ ሰንዓን ሖደይዳን ዘራኽብ መስመር ከምዝተቖጻጸሮ ተገሊጹ።

ኣብቲ ካብ ሰምበት 9 መስከረም ዝጀመረ ውግእ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናብ ሰንዓ፣ ስንቂን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ዘመላልሱሉ ቀንዲ መስመር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ንምእታው ዝዓለመ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

 

ወሃብ ቃል ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ሑቲ ከምዝተቐትሉን፣ ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ገሊጹ።

እንተኾነ ምንጭታት ዜና ከምዘመልክትዎ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ኲናት ዝበዝሐ መጉዳእቲ ዝወረዶ ሰላማዊ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ፣ ዛጊት ካብ ሆስፒታላት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ጥራይ ቁጽሪ ምዉታት ሰላማውያን ሰባት ልዕሊ 84 በጺሑ ኣሎ።

ከምዝፍለጥ ጉዳይ የመን ብዘተ ንኽፍታሕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብማእከልነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ክልቲኦም ወገናት ክራኸቡ መደብ ተታሒዙ ኔሩ። እንተኾነ ሑቲ፣ ኣቐዲምና ዝሓተትናዮ ጠለባት ኣይተማለአን ብምባል፣ ናብቲ ዘተ ልኡኻቱ ኣይሰደደን።

እዚ ነዊሕ ዝተጻዕረሉ ዘተ ሰላም ከይተኻየደ ብምፍሻሉ፣ ውግእ ሓድሕድ የመን ናብ ዝኸፈአ መልክዑ ከይከይድ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ከምዘሎ ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0