የመን፣ ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን ሑቲ ተቐንጺሉ

Radio Erena: 06 November 2020

ሚኒስተር መንሰያትን ስፖርትን ናይቲ ብሑቲ ዝምራሕ መንግስቲ ምዃኑ ዝተገልጸ፣ ላዕለለዋ በዓል ስልጣን፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ናብ፣ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ትቐቲሉ።

እቲ ሓሰን ዛይድ ዝተባህለ ሚኒስተር፣ ምስ ጓሉ ብመኪና ቤት ጽሕፈቱ እናኸደ እንከሎ፣ ዕጡቓት ሃንደበት ብዝኸፈትሉ ቶዅሲ፣ በከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ ሞይቱ።

ነታ መኪና እትመርሕ ዝነበረት ጓሉ’ውን ብጽኑዕ ቆሲላ ኣላ።

ናይቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ይኹን’ምበር፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት ከምዝፈጸምዎ ሑቲ ወቒሱ።

ዝበዝሐ ኣካሉ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ብወገኑ፣ እቲ ተቓዋሚ ዝበሎ ሚኒስተር ከምዝተቀንጸለ እንተዘይኮይኑ፣ ዝፈጸሞ ኣካል ኣይኣንፈተን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0