የመን፣ ሓያሎ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ

የመን፣ ሓያሎ ወትሃደራት ሱዳን ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 19 April 2018

sudanese soldiersሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ የመን ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ብዘካይድዎ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ 10ታት ወትሃደራት ከምዝቐተሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንወትሃደራውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ 2015 ናብ የመን ካብ ዝዋፈር ዝኸበደ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምዘብጽሓሉ እቲ ምንጪ ይጠቅስ።

ሑቲ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ተሰሊፉ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ከቢድ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ከምዝበጽሖ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ሱዳን ደቁ ካብ የመን ክስሕቡ ንመንግስቲ ሱዳን ጸቕጢ ክገብረሉ ጸዊዑ።

ነዚ ስዒቡ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ክስሕብ ዝጽውዕ ጥርዓናት የቕርቡ ኣለዉ።

እንተኾነ፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ወሪዱ ዘሎ ክሳራታት ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ሰራዊቱ ካብ የመን ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ነዚ ዘፍለጠ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ መበል 29 ዋዕላ ሃገራት ዓረብ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲን ብፍሉይ ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተሰለፉ ኣስታት 1 ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ኣብ የመን ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0