የመናውያን ሓዲሽ ቆይሙ ንዘሎ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ቆንስል ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ የመናውያን ሓዲሽ ቆይሙ ንዘሎ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ቆንስል ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ንየመን ከመሓድር ቆይሙ ዘሎ ቆንስል፣ ንዕጡቕ ተቓዋሚ ሑቲ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

 

ኣብዚ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ልዕሊ 900 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተሳተፎ፣ ምንጭታት ዜና ካብ ከተማ ሰንዓ ሓቢሮም።

ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቆንስል ዝመርሕ ዘሎ ሳልሕ ኣል ሳማድ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኩነታት የመን ምርግጋእ፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ምሕባር ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ምርጫ ምክያድ፣ ቀንዲ ዕማሙ ምዃኑ ገሊጹ።

ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ህዝቢ ከተማ ሰንዓ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብረሉ ዝነበረ ከባቢታት፣ ሰለስተ ሚእቲ ሜትሮ ርሒቑ፣ ኣርባዕተ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ኣካዪዱ።
ብስዑዲ ዝተመርሐ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት የመን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ ዝጅምር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሲቪላዊ ትካላትን ከቢድ ዕንወት ከኸትል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2015፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲን ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝደናገጹ ሓይልታትን ናይ ስልጣን ቁርቁስ ካብ ዝጅምሩ የመን ኣብ ከቢድ ውግእ ሓድሕድ ተሸሚማ እያ ጸኒሓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0