ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ኣቕሪባ

ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ኣቕሪባ

demo in ethioሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ኣቕሪባ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብዕለት 19 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ገለ ዞባታት ኢትዮጵያ ንድሕነት ኣመሪካውያን ኣስጋኢ ክኸውን ከምዝኽእል የመልክት።

 

መስመራት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን፣ ኢንተርነትን ካልእ ናይ ሳተላይት መራኸቢታትን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድምን ኣብ እዋን ሰላማዊ ሰልፍን ይዓጽዎ ስለዘሎ፣ ድሕነት ዜጋታት ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ክሳብ ለካቲት 2017 ክጸንሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኣብያ ህዝቢ፣ ናብ ካልኦት ከተማታት’ውን ክልሕም ዓቢ ተኽእሎ ብምህላዉ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።

እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣመሪካውያን፣ ድሕነቶም ብቐጻሊ ክከታተሉ፣ ከባቢኦም ብጥንቃቐ ክዕዘቡ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝግበረሎምን ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎምን ከባቢታት ክእለዩ፣ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ የጠንቅቕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0