ዝበዝሓ ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ ጽዑቕ ታዕሊም የካይዳ ኣለዋ

Radio Erena: 27 June 2022

ዝበዝሓ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጽዑቕ ታዕሊም ተጸሚደን ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ብዘይካ’ተን ኣብ ተጠንቀቕ ዝርከባ ሒደት ክፍላተ ሰራዊት፣ እተን ዝበዝሓ ‘የን ናብ ታዕሊም ዝወርዳ ዘለዋ።

ዝበዝሓ እተን ኣሃዱታት፣ ኣኣብ ዝርከባሉ ዞባታት ምስ ጽዑቕ ጉዕዞ እግሪን ናይ ለይቲ ምንቅስቓስን ዝተሰነየ ታዕሊም ኣብ ምክያድ ‘የን ዝርከባ።

ዒላማ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ታዕሊም ኣሃዱታት ሰራዊት፣ ምስቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከካይድ ይኽእል’ዩ ዝብል፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የነጽር።

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ በብእዋኑ ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ይርአ’ዩ።

ግፋ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ሓድሽ ተርእዮ እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ግና ምስቲ ወያነ ንኤርትራ ክወርር’ዩ ዝብል፣ ኣብ 18 ግንቦት ዝወጸ ሓተታ መንግስቲ ዘተሓሕዝዎ ብዙሓት’ዮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዝሒ ዘለዎም እሱራት ናብ መደበር ታዕሊም የሰጋግር ምህላዉ፣ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ትማሊ ፈነወኣ ኣቃሊሓ’ያ።

ካብ ቤት ማእሰርታት ዓላን ዓዲ ኣበይቶን ጥራይ ልዕሊ 500 እሱራት ናብ መደበር ታዕሊም ተሰጋጊሮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0