ኣዴታት ሱዳን፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጎነጽ ደው ከብሉ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይደን

Radio Erena: 27 June 2022

ብደቂንስትዮ ሱዳን ዝተወደበ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጎነጽ ደው ከብሉ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ25 ሰነ ኣብ ካርቱም፣ ከባቢ ኡምዱርማን፣ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ጻዕዳ ዝሕብሩ፣ ባህላዊ ክዳን ሱዳን ዝለበሳ ኣማኢት ደቂንስትዮ ተሳቲፈን።

እቲ ብ ‘ንግስቲ ኑባ’፣ ዝፍለጥ ንደሞክራሲ ዝጽውዕ ማሕበር ‘ካንዳካት’ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ፈለማ ደቀን ብሓይልታት ጸጥታ ብዝተቐትልወንን ጠበቓታትን ዝርከብአን ኣስታት 20 ደቂንስትዮ ጥራይ ተበጊሱ።

ድሒሩ ዝበዝሓ ኣዴታት ዝኾና ኣማኢት ደቂንስትዮ ተጸንቢረንኦ።

እተን ደቂንስትዮ ኣብ ዘካየድኦ ሰልፊ፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ ናብ ህዝቢ ክምለስ ብምጥላብ፣ ሰራዊት ናብ ድፋዓቱ ክምለስ ጸዊዐን።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሺር፣ ምስ ሲቪላዊ ወገን ብልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቝሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ካብ 25 ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዙ፣ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ብሒቱ ከምዘሎ ‘ዩ ዝውቀስ።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፣ ኣንጻር እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣስታት 100 ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ ጸብጻባት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ኣብዚ ተቓውሞ ደቀን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትልወን ኣዴታት ሱዳን ድማ’የን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲበን።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0