ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክሕግዝ ዝጸንሐ ፈረንሳዊ ገባር-ሰናይ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ተኸሲሱ

Radio Erena: 06 January 2016

French farmer

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ኣብ ምስግጋር ክተሓባበር ዝጸንሐ ፈረንሳዊ፣ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

እቲ ሰድሪክ ሄሩ ዝተብሃለ፣ ብሕርሻ ዝናበር ፈረንሳዊ፣ ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ብባቡርን ካልእ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን ምስጋር ንዘይክኣሉ፣ ስደተኛታት ብመንገዲ’ታ ንሱ ዝነብረላ ቁሸት፣ ጎቦታት እናቖራረጸ’ዩ ናብ ፈረንሳ ከስግሮም ጸኒሑ።

ኣብ ጉዕዝኦም ከም ማይ፣ መግብን ክዳንን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት እናቐረበ፣ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታ ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ብምስግጋሩ፣ መንግስቲ ፈረንሳ “ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት” ብምኽሳስ’ዩ፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኒስ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብዎ።

ቤት ፍርዲ ከተማ ኒስ በዚ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ፣ ገበነኛ’ዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፣ ክሳብ ዓመት ማእሰርትን 30 ሽሕ ኤሮ መቕጻዕትን ክብይነሉ ይእኽል’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ሓያሎ ገበርቲ ሰናይ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ብመንግስቲ ፈረንሳ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብምንጻግ፣ ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።

ሰድሪክ ሂሩ፣ ብዛዕባ’ቲ ተኸሲስሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ርህራሄ ኢሉ ብዘይዝኾነ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ዝገብሮ ብምዃኑ ከምዘይጥዓስን፣ ተመሳሳሊ ጸገም ንዝገጥሞም ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ዜጋታት ኤርትርን ሱዳንን ካብ ምሕጋዝ ከምዘየቋርጽን ገሊጹ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0