ዚምባብዌ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትዋሳእ ጻውዒት ቀሪቡ

ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዚምባብዌ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ዓብዱ፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ኣብቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕባ ጉዳይ ዶብ ኢዱ ከእቱ ጸዊዑ ክትብል ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ሓቢራ።

    ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ዓብዱ ነዚ ዝገለጸ ብሓደ መጋቢት ናይ ስራሕ ወረቓቕቱ ንፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዘረከበሉ እዋን’ዩ።

    ዚምባብዌ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝጨፍጨፈ መራሒ ስርዓት ደረግ ኮለነል መንግስቱ ሃይለማርያም ን21 ዓመታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምሃባ፣ ንነዊሕ እዋን ምስ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ምንባራ ይፍለጥ።

    ሓድሽ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዚምባብዌ ድማ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተነጽሎን ዕድመን ካብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢዱ ከእቱ ምጽውዑ ንዲፕሎማሲ ዝተባህለ ደኣ እምበር፣ ሙጋበ ዝኾነ ጽልዋን ተሰማዕነትን ከምጽእ ስለዝኽእል ከምዘይኮነ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

    ኣብ 4 ሕዳር 1995፣ መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ በዓልቲ ቤቱ ዉባንቺ ብሻው ኣብ ከተማ ሃራረ ከባቢ ጋንሂል እናተዛወረ እንከሎ ንምቕታሉ ድሕሪ ዝፈተነ ብስም ሰለሞን ሃይለ ገብረሚካኤል ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ብሓለዋ መንግስቱ ተወጊኡ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣምባሳደር ጸጋይ ተስፋጽዮን ምንንባሩ ኣይርሳዕን።

    ኤርትራ ኣብተን ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከቡለን ከም ሽወደን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣምባሳደር ዘይብላ ክነሳ ኣብ ዚምባብዌ ኣምባሳደር ምምዛዛ፣ ነቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ ኣንጎላ፣ ኮንጎ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ተዘርጊሑ ዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታት ህግደፍ ንምክትታል ዝዓለም ምዃኑ’ውን ትንታነታት ይወሃበሉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0