መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ

    መንግስቲ ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ዝግመት ተወሳኺ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቃሊዖም።

    ባጤራ ናቕፋ ናይ ኣስታት ዕጽፊ ዝቕባበ ኣጋጥምዎ ምስ ምህላዉ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራታት መጠን ሸርፊ ዘለዎ ጋግ’ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ስለዝመጸ፣ መንግስቲ ነዚ ጋግ እዚ ንምምላእ ናይ 50ን 100ን ናይ ወረቐት ባጤራታት ናቕፋ ብብዝሒ የሕቲሙ ናብ ዕዳጋ የዋፍሮ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

    ኣቐዲሙ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኣጋጥምዎ ዘሎ ምቁላቋል ዓቕሚ ባጤራን ዝቕባበን ንምምላእ፣ ክልተ ግዜ ብዝሒ ዘለዎ ናይ ወረቓቕቲ ባጤራ እናሕተመ ናብ ዕዳጋ ከምዝዘርሐ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብቲ መጀመርያ ባጤራ ናቕፋ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ስለዘለዎ ህዝቢ የደናግር ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ነቲ ናይ 50ን 100ን ናይ ወረቐት ገንዘብ ካልእ ሕብሪ ዘለዎ ኣስታት 100 ሚልዮን ዝግመት ናቕፋ ተሓቲሙ ከምዝዝርጋሕ ከምእተገብረ ኣዘኻኺሩ።

    ባጤራ ናቕፋ ኣብ 1997 ኣብ ዝተዘርግሓሉ፣ እቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ሓደ ዓይነት ሕብርን ዓቐንን ስለዘለዎ ህዝቢ ኣየደናግርን ዶ ንዝብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ  ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ገንዘብና ኣይኮነን ህዝቢ ህበይ’ውን ክትፈልዮ ትኽእል’ያ ክብል ከምዝመለሰ ኣይርሳዕን።

    እንተኾነ ኣብ 10 ዓመቱ፣ እቲ ገንዘብ ህዝቢ የደናግር ኣሎ ብዝብል ምኽንያት፣ ናይ ዓቐንን ሕብርን ምፍልላይ ክገብረሉ ከምዝወሰነ መንግስቲ ብወግዒ ኣውጁ።

    ይኹን’መብር 10 ዓመት ዘገልገለ ባጤራ ብሕብርን ዓቐንን ንህዝቢ ምድንጋር ፈጢሩ ተባሂሉ ካልእ ሕብርን ዓቐንን ዘለዎ ናይ ባጤራ ተሓቲሙ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝጸንሐ ባጤራ ምዝርግሑ፣ ነቲ ብሰንኪ ዝቕባበ ዘድለየ ብዝሒ ናይ ወረቐት ገንዘብ ንምምላእ ዝተገብረ ምንባሩ’ዩ ዝትንተን።

    ድሕሪ’ውን ብዘይተሓበረ መንገዲ ተወሳኺ ባጤራ ተሓቲሙ ናብ ዕዳጋ ከምእተዘርግሐ’ዩ ዝሕበር።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኣጋጢምዎ ምስ ዘሎ ዋሕዲ ዶላርን ኤውሮን ዘጠቓለለ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ መጠን ሸርፊ ናቕፋ ስለዝዘቕበበ፣ ብዝሒ ዘለዎ ናይ ወረቐት ባጤራ ብምሕታም ናብ ዕዳጋ ከምዝዝርጋሕ ምግባር ከምዘድለየ ይግለጽ።

    ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ዘለዎ ውህሉል ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ስለዝወደቐ፣ መንግስቲ ነቲ ብጽኑዕ ዝቖጻጸሮ ዝነበረ ናብ ኤርትራ ዝኣቱዶላር፣ ኤውሮ፣ ፓንድ ዓዲ እንግሊን ርያልን ካልእ ባጤራታትን ብመጠኑ ፍኑይ ይሓድጎ ምህላዉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ኣብ ኤርፖርት ከየምዝገበ ከእቱን ከምዝኽእል ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

    እዚ ድማ ነቲ ብጸሊም ዕዳጋ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ናብ ስድራቤታቶም ዝልእክዎ ገንዘብ ናብ ዱባይ፣ ጁባን ካምፓላን ጥራይ ዘወር ዝብል ዝነበረ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ተባሂሉ ዝተገብረ’ዩ።

    ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ስድራቤታቶም ብሓዋላ ብጸሊም ዕዳጋ ዝልእክዎ ገንዘብ፣ እቲ ናይ ወጽኢ ባጤራ ናብ ዱባይ፣ ካምፓላን ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ክልኣኽ እንከሎ፣ እቶም ነጋዶ ድማ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ካብ ዝርከብ ሕሶቦም ናቕፋ እናውጽኡ ናብተን ስድራቤታት ከምዘብጽሕዎ’ዩ ዝንገር።

    መንግስቲ’ውን ብመንገዲ’ዚ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣቢሉ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምውህላል ሓያሎ ገንዘብ ዝሕውሉ ልኡኻት ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ከምዘዋፈረ ብተደጋጋሚ ይግለጽ ኔሩ’ዩ።

    ኣብ ሂምቦላን ባንክታትን ኤርትራ  100 ኤሮ 2000 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ  ግና ክሳብ 5 300 ናቕፋ ይሽረፍ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0