ዚምባብዌ፣ ድሕሪ ምእላይ ሮበርት ሙጋበ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ተዓዊቱ

ዚምባብዌ፣ ድሕሪ ምእላይ ሮበርት ሙጋበ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ተዓዊቱ

Radio Erena: 02 August 2018

 zimb protesኣብ ዚምባብዌ፣ ን38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒኣ ነበር ሮበርት ሙጋበ ድሕሪ ምእላዩ፣ ንፈለማ እዋኑ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ካብ እዋን ናጽነታ ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ተዓዊቱ።

ኣብቲ ብ30 ሓምለ ዝተኻየደ ምርጫ፣ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎገ ሮበርት ሙጋበ፣ ከም ተራ ዜጋ ክመርጽ ተራእዩ።

ይኹን’ምበር እቲ መራሒ ነበር፣ ነቲ ን38 ዓመታት ዝወከሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ሓዲጉ፣ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቃወሞ ዝነበረ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ ድምጹ ሂቡ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ብሙጋበ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ ዝነበረን፣ ድሕሪ ዕልዋ ናብ ሃገሩን ናብ ስልጣንን ዝተመልሰን ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ዝመርሖ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ፣ ካብ 152 ናይ ምርጫ ቦታታት ኣብቲ 110 ብምዕዋቱ፣ ዓብላሊ መናብር ባይቶ ረኺቡ ኣሎ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ምድንጋራት ከምዝነበረ ብምውቃስ፣ ናዕብን ተቓውሞን ኣለዓዒሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ድሕሪ ሙጋበ ንፈለማ እዋኑ ዝተኻየደ ምርጫ 22 ሕጹያት፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ንምዃን ተወዳዲሮም።

ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ፕረዚደንት ኮይኑ ክዕወት ዝልዓለ ተኽእሎ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ብወግዒ ኣይተሓበረን።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0