ኢትዮጵያ፣  ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ቁጠዐ ይፈጥር

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ቁጠዐ ይፈጥር

Radio Erena: 02 August 2018

 tigraኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ዝተቐትሉ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ሬስኦም ናብ መቐለ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ንህዝቢ ትግራይ ኣቖጢዑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ፣ “ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ” ዒላማ ዝገበረ’ዩ ኔሩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብብሄርን ቋንቋን ፈላሊኻ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕታት ደው ንምባሉ ህጹጽ ስጉምታት ክወስድ ህዝቢ ለበውኡ የመሓላልፍ ከምዘሎ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ብፍላይ ንተዛረብቲ ትግርኛ ዒላማ ዝገበረ ጽልእን መጥቃዕታትን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስክፍታ ፈጢሩሎም ምህላዉ’ውን እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ከባቢ ዛላምበሳ ዝተቐብረ ነታጕ ሰለስተ ቆልዑ ከምዝቀተለ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቲ ነታጕ፣ ብምኽንያት ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ከባቢ ዝተቐብረ’ዩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0