ዚምባብዌ፣ ዋጋ ባኒ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብ60% ምውሳኹ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 October 2019

ኣብ ዚማብብዌ፣ ዋጋ ባኒ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብ60 ሚእታዊት ምውሳኹ መርበባት ዜና ካብ ሃራረ ሓቢረን።

ኣብታ ሃገር፣ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ሓንሳእ ክሰኣኑ ካልእ እዋን ከኣ ዋጋታቶም ክብ ለጠቕ ክብልን እኳ እንተጸንሐ፣ ዋጋ ባኒ፣ ኣብ ሒደት ሰዓታት ብልዕሊ ዕጽፊ ክንህር እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

ጠንቂ’ዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ምንሃር ዋጋ ባኒ፣ ስእነት ነዳዲን ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ዘይምህላውን ምዃኑ ወነንቲ ትካላት መፍረ ሕብስቲ ይጠቕሱ።

መሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 38 ዓመታት መሪሕነት ሮበርት ሙጋበ፣ ቁጠባኣ ተረሚሱ፣ ናይ ገዛ ባጤራ ከተንቀሳቕስ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ’ በጺሓ።

ድሕሪ ምእላይ ሙጋበ ኣብ 2017’ውን እታ ሃገር ዝርአ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ለውጥታት ከተምጽእ ኣይከኣለትን ዘላ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ድማ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ዝቕባበ ባጤራ ብ580%፣ ዋጋ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብ400%፣ ዋጋ ነዳዲ ብ25% ንሂሩ ይርከብ።

እንተኾነ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ዝቕባበ ናይቲ ዶላር ዚምባብዌ ኢሉ ዝጽውዖ ባጤርኡ ብ290% ከምዝነሃረ’ዩ ዝምጉት።

ህዝቢ ዚምባቤ፣ ብከቢድ ዝቕባበ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ዝተዳኸመ ባጤራ ሃገሩ ሓዲጉ፣ ብባጤራታት ዶላር ኣመሪካን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ራንድን’ዩ ዝጥቀም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0