ኣብ ዓለም ደሞክራሲ ክነግስ እንተኾይኑ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስልጣን ክመጻ ኣለወን ክትብል ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ገሊጻ

Radio Erena: 18 October 2019

ኣብ ዓለም ዲሞክራሲ ንምንጋስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን መሪሕነትን ብብዝሒ ክሳተፋ ኣለወን ክትብል ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ኤሊን ጀንሰን ሰርሊፍ ገሊጻ።

እዛ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ መራሒት ሃገርን ተዓዋቲት ስልማት ኖቤል ሰላም 2011 ዝኾነትን ኤሊን ጀንሰን ሰርሊፍ፣ ዎርልድ ረቪው ኣብ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘስፈረቶ ዓምዲ፣ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣብ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ኣልበሺር ከም ኣብነት ብምጥቃስ ክልተ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ሰልፈኛታት ብደቂንስትዮ ዝተዓብለለ ምንባሩ ዓቢ ምስክርነት እዩ ክትብል ኣረዲኣ።

ንሳ ብተወሳኺ ዲሞክራሲ ውሑስ ንምግባሩ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምምራጽ ኣባላት ባይቶ ሓሊፈን ውሳኔታት ዝወሃቦ ናይ ፈጻሚ ቦታታት ክሕዛ ኣለወን ክትብል ኣስፊራ።

ኣብ ሱዳን ፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ንምእላይ ይኹን ድሒሩ ኣንጻር ስልጣን ንዝበሓተ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተገብረ ተቓውሞታት ኣብ ምስታፍ መሪሕ ተራ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ምንባረን ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሱዳን ኣብ ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ጥራይ’ያ ኣባል እቲ መሰጋገሪ ሽማግለ ኮይና ተመሪጻ።

ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ከም ዝጠቕሶ፣ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምልኪ ባህሪ ከምዘይብለንን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዲ ከም ዘዘውትራ’ዩ ዝገልጽ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ታ ካብ 2006 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ላይበርያ ዝነበረት ኤሊን ጆንሰን ሰርሊፍ፣ መራሕቲ ሃገር ናይ ምዃን ዕድል ዝረኸበት ኣፍሪቃዊት ጓለንስተይቲ የላን።

ንበሰላ ናይታ ንነዊሕ ዓመታት ብዝተኻየደ ብኩናት ሓድሕድ ዝሰንበረት ላይበርያ ኣብ ምሕዋይ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበራ እትጥቀስ ኤልን ሰርሊፍ ጀንሰን፣ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራሲያዊ ምርጫ፣ ብህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ፣ ጆርጅ ዎያ ተሳዒራ’ያ ካብ ስልጣን ተኣልያ።

ኣብ ክሊ ዕድመ መጀመርያ 80ታት እትርከብ፣ ኣደ ኣርባዕተ ደቂን እኖሓጎን ክትከውን ዝበቕዐት ኤሊን ጆንሰን ሰርሊፍ፣ ደቂንስትዮ ንሰላም ኣብ ዝገብርኦ ጻዕሪ ብዘርኣየቶ መሪሕ ተራ’ያ ኣብ 2011 ተዓዋቲት ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ክትከውን ዝበቕዐት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0