ዚምባብዌ፣  ብመንግስቲ’ታ ሃገር ካብ ዝተፈቕደ ብዝሒ ባጤራ ንላዕሊ ሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ትቕይድ

ዚምባብዌ፣ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ካብ ዝተፈቕደ ብዝሒ ባጤራ ንላዕሊ ሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ትቕይድ

Radio Erena: 06 October 2017

zimbabwe money

ብናይ ባጤራ ቅልውላው እትሕመስ ኣብ ዘላ ዚምባብዌ፣ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ካብ ዝተፈቕደ ብዝሒ ባጤራ ንላዕሊ ሒዞም ዝጸንሑ ሰለስተ ቻይናውያንን 16 ዜጋታታን ከምዝቐየደት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ቻይናውያን፣ ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን 50 ሽሕ ባጤራ እታ ሃገር ኣብ ኢዶም ከምዝጸንሐ ዝሓበረት ብመንግስቲ እትፍኖ ሬድዮ ዚምባብዌ ብወገና፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዘሽረፍዎ ምዃኑ ኣመልኪታ።

እቶም ምስቲ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ዝተቐየዱ 16 ዜጋታታ’ውን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ዝተዋፈሩ ምንባሮም ይግለጽ።

 

ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዙ ባጤርኣ ካብ ዕዳጋ ተኣልዩ ዝጸንሐት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ሓድሽ ባጤራ ድሕሪ ምትእትታዋ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢዱ ክሕዞ ወይ ካብ ባንክ ከውጽኦ ዝኽእል ብዝሒ ባጤራ ገደብ ጌራትሉ ምህላዋ ይፍለጥ።

ነዚ ሕጊ’ዚ ዝጠሓሰ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ሒዝዎ ዝተረኽበ ብዝሒ ባጤራን ክቕጻዕ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ፓትሪክ ቺማናሳ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣጠንቂቑ’ዩ።

ኣብ ዚምባብዌ፣ እዚ ሓድሽ ሕጊ ገደብ ብዝሒ ባጤራ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ዋሕዲ ባጤራ ስለዘጓነፈ ኣብ መነባብሮ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ’ዮም ዜጋታት እታ ሃገር ዘማርሩ።

እዚ ዚምባብዌ ኣተኣታትያቶ ዘላ ብዝሒ ካብ ባንክ ናይ ዝወጽእ ወይ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዝተሓዝ ባጤራ ናይ ምቁጽጻር መስርሕ፣ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘተኣታተዎ ባጤራ ናቕፋ ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ተመሳሳሊ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0