ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣመሓደርትን ንኡስ ዞባታት ደቡብ፣ ብጉዳይ ስደት ምስ ወከልቲ ህዝቢ  ርክባት የካይዱ

ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣመሓደርትን ንኡስ ዞባታት ደቡብ፣ ብጉዳይ ስደት ምስ ወከልቲ ህዝቢ ርክባት የካይዱ

Radio Erena: 06 October 2017

senafe

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣመሓደርትን ንኡስ ዞባታት ናይ ዞባ ደቡብ፣ ምስ ዓበይቲ ዓድን ወከልቲ ንኡሳን ዞባታትን ርክባት የካይዱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣዘዝቲ ፖሊስ ንኡስ ዞባታት መንደፈራ፣ ዓዲ ዃላ፣ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን ዓበይቲ ዓዲ ብምእካብ፣ መንእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ብናይ ጸላእቲ ፕሮፖጋንዳን ውዲትን ድሕሪ ምባል፣ እቲ ናይ ስደት መስርሕ ብኣፍልጦ ወለድን ደቂ ዓድን ይካየድ ከምዘሎ ወቒሶም።

ዋሕዚ መንእሰያት ስደት ንምግትኡን ንምክልኻሉን ዓበይቲ ዓድን ወከልቲ ንኡሳን ዞባታትን ምስ ነበርቲ ዓድታት ብምትሕብባር ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብሉ’ውን እቶም ኣዘዝቲ ጸዊዖም።

እቲ ምክልኻል ገበን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ናይ ዞባ ደቡብ ዝካየድ ዘሎ ርክብን ኣስተምህሮን ምስ ዓበይቲ ዓዲን ወከልቲ ንኡሳን ዞባታትን፣ ብዘይካ ኣብ ዋሕዚ ስደት፣ ጉዳይ በብእዋኑ ዝጠፍአ ዘሎ ብመንግስቲ ዝተዓደለ ብረታት ብዝምልከት’ውን ከምዝተላዕለ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0