ዙር ኤርትራ 2017 ጽባሕ ክካየድ’ዩ

ዙር ኤርትራ 2017 ጽባሕ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 17 April 2017

Cycling Er Tm

ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ተፈላጥነት ዘለዎ ዙር ኤርትራ 2017 ካብ ሰሉስ 18 ሚያዝያ ክካየድ’ዩ።

እዚ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ 2017፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ድባርዋ ናብ ከረን 124 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካብ ከረን ናብ ባረንቱ 142 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ካብ ሓጋዝ ናብ ኣስመራ 117 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ካብ መንደፈራ ናብ ምጽዋዕ 170 ኪሎ ሜትር፡ ኣብ ሓሙሻይን መወዳእታን መድረኽ ድማ ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣስመራ 107 ኪሎ ሜትር፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 660 ኪሎ ሜትር ክሽፍን እዩ።

ኤሪቴል፣ ኣስቤኮን ሰምበልን ብደረጃ ጋንታታት ኣብ’ዚ ዙር ዝሳተፋ ክኾና ከለዋ፡ ካብ ኩለን ክለባት ሃገርና ብዝተዋጽኡ ኣባላት ዝቖመት ሃገራዊት ጋንታ’ውን ራብዐይቲ ኮይና ክትቐርብ’ያ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ድማ፣ ሃገራውያን ጋንታታት ሩዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ክለባት ባይክ አይድ፡ ግሎባል ሳይክሊንግ ቲምን፡ ኣሞረ-ቪታን ኣብዚ ዙር ክሳተፋ’የን።

ዙር ኤርትራ 2017፣ ቀዳም22 ሚያዝያ ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣስመራ ብዝካየድ ቅድድም ሓሙሻይ መድረኽ ክዛዘም’ዩ።

ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (ዩ.ሲ.ኣይ)፡ ካብ’ቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝሰርዖ ኣርባዕተ ኣህጉራዊ ውድድራት፡ እቲ ክልተ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ተኻይዱ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ክልተ ቅድድማት ኤርትራውያን ጋንታታትን ተቐዳደምትን ኣንጸባራቒ ዓወታት ተጎናጺፋ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0