ኢትዮጵያ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ካብ ስዑዲ ንምምላስ ትውጥን

Radio Erena: 18 April 2017

Returnee Eth Sau

ስዑዲ ዓረብ፣ ሚልዮናት ዜጋታት ወጻኢ ብግዴታ ቅድሚ ምስጓጓ፣ ብፍቓዶም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክወጹ ንዘቕረበቶ ጻውዒት፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ክጥቀምሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተማሕጺኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነዚ ናይ ስዑዲ ናይ 90 መዓልታት ጻውዒት ተጠቒሞም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውን፣ መውጽኢ ቪዛን ካልእ ወረቓቕትን ምስላጥ ይኹን ናይ መጓዓዝያ ሓገዝ ንኽህቦም ተዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘሳልጥ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ዛጊት ኣስታት 4 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ናብ ዓዶም ክምለሱ ተመዝጊቦም ከምዘለው ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር የመልክት።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ልዕሊ 150 ሽሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለዉ’ዩ ዝግመት።

እታ ሃገር፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ብፍቓዶም ዘይወጹ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኣስታት 2.5 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ዜጋታት ንምስጓግ’ያ ወጢና ዘላ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0