ዙር ርዋንዳ፣ ናትናኤል ተዓዋቲ ማልያታት ብጫ፣ ጻዕዳን ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃን ኮይኑ

Radio Erena: 01 March 2020

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ወናኒ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2020 ኮይኑ።

ኣብ ቱር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ሰኣን ሓንቲ ካልኢት ንብጫ ማልያ ዝሰኣነ ናትናኤል፡ ነዚ ናይ ሎሚ ክብሪ ዝበቕዐ ኣብ 3ይ መድረኽ፡ ካብ ካዛኪስታናዊ ፌዶሮቭ ንዝመንዝዓ ብጫ ማልያ፡ ኣብ ዝቕጽል 5 መድረኻት ንምውሓሳ፡ ምስ ብጾቱ ሓያል ቓልሲ ድሕሪ ምክያዱ እዩ።

ናትናኤል ብጀካ ንብጫ ማልያ፡ ንጻዕዳ ማልያ ከምኡ’ውን ንማልያ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ’ውን ንሓላሉ ወሲድወን’ዩ።

ናብ’ዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ንዝኣተወ ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ፡ ናይ 1 ደቒቕን 30 ካልኢታትን ጋግ ኣንጺፉሉ ዝኣተወ ናትናኤል፡ ብሞይሰ ሙጊሻ 32 ካልኢታት’ኳ እንተተኸስበሉ፡ ኣቐዲሙ ፈጢርዎ ብዝጸንሐ ርሕብ ዝበለ ፍልልይ ግን፡ ንስዕረት ክቓላዕ ኣይከኣለን።

ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ ዙር ተሸላሚ ቐጠልያ ማልያ ቕጽበታዊ ውድድር ንምዃን በቒዑ እዩ።

ብሓፈሻ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር፡ ብጀካ ንማልያ ንጉስ ዓቐብን ናይ ጋንታ ማልያን ንዝተረፋ ኩለን ማልያታት ናብ ከብሓ ከተእትወን ብምኽኣላ፡ ተቐዳደምታን ኣሰልጣኒኣ ሳምሶም ሰለሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናእዳ ይውሕዘሎም ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኪጋሊ ንዝተኻየደ 89.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነበሮ ኣዝዩ ጽንኩር ናይ መዛዘሚ መድረኽ፡ ናይ ክለብ ኒፖ ዴልኮ ተቐዳዳማይ፡ ስጳኛዊ ማኑኤል ድያዝ እዩ ተዓዊትሉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0