ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ተመባጺዑ፣ ፕረዚደንት ጀርመን ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 02 March 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሱዳን ኣብ እተካይዶ ዘላ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ናይ 100 ሚልዮን ኤውሮ ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነቲ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ዝተመባጽዐ፣ ብምክትል ፕረዚደንት፣ ዮሴፍ ቦረል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ሱዳን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

እቲ ሓገዝ፣ ንሱዳን ኣብ እተተኣታትዎ ቁጠባዊ ጽገናታት፣ ኣብ ምፍጣር ናይ ስራሕ ዕድላትን ምስፋሕ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዡታ ኦርፕለይነን ገሊጻ።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ብፕረዚደንት ፍራንክ ቫልተር ስተይንሚየር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ጀርመን ኣብ ሱዳን ናይ ክልት መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ጀርመን ብ28 ለካቲት ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ መንግስቲ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ብምርኻብ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝጸንሐን ብሕጂ ዝህሉን ምትሕግጋዝ ተመያይጡ።

ጀርመንን ሱዳንን፣ ኣብ ልምዓትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ከምዘለወን ዝፍለጥ’ዩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0