‘’ዘየዕርፍ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፣ ብው.ሕ.ሃ. ዝቕረበ እማመ ከምዘይሰርሕ ዘመልክት እዩ’’ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን

Radio Erena: 20 February 2022
ህዝቢ ሱዳን ብዘይዕረፍቲ ዘካዪዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊን፣ ሓይልታት ጸጥታ ንምዝራጉ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዕታትን፣ መርኣያ ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ሰላም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዘመልክት’ዩ፣ ክብል ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ገሊጹ።
መራሕቲ ኤፍ.ሲ.ሲ. ምስ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ምእሳርን ምስዋርን ዜጋታት ብሰፊሑ ምቕጻሎም፣ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርት ምስ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ መሰላትን ጸለውቲ ፖለቲከኛታትን ዘካይዱዎ ዘለዉ ማእሰርትን መጭወይትን ደው ከብሉ ጸዊዑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን፣ ጋዜጠኛታት ይእሰሩ፣ ትካላት ሜድያ ይዕጸዋ፣ መእሰያት ብዘይክስን ፍርድን ይቕየዱ ምህላዎም፣ ርኡይ ምልክታት ውልቀ ምልኪ ናይቲ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ እዩ፣ ብምባል ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራስን ይኸስስ።
ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበስልጣን ሱዳን በርጌሳውያን ማሕበራትን መራሕቲ ፖለቲካን ንምዝርራብ ሎሚ 20 ለካቲት ናብ ካርቱም ክኣትዉ ትጽቢት ይግበረሎም።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0