ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሕጂ’ውን ፈሺሉ

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሕጂ’ውን ፈሺሉ

Radio Erena: 10 March 2015

machakir

ተስፋ ዝተነብረሉ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ፈሺሉ።

ምፍሻል ናይቲ ዘተ ሰላም ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ኵናት ከይሸማ ተሰጊኡ ምህላዉ’ውን ማዕከናት ዜና ይገልጻ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን እቲ ዘተ ሰላም ምፍሻሉ ከምዘሕዘኖ ብምጥቃስ፣ ፕረዚደንት ሳል ቫኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻር ደጊሞም ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ።

 

እቲ ብመንጎኝነት ኢጋድ ንተደጋጋሚ እዋን ክካየድ ዝጽጸንሐ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዕዉት ውጽኢት ክርከበሉ ዘይክኣለ ምኽንያት፣ ኣብ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ብዛዕባ ዝህሉ ናይ ስልጣን ምምቅራሕን ካልእ ምስ ስልጣን ዝተተሓሓዘ ጉዳያት’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ ፍሽለት ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንምዝርራብ ኣምባሳደራት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ነርወይን ኣብ ካርቱም ብምርኻብ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱድን ብምርኻብ’ውን ዘትዮም።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ስምምዕ ንምብጽሖም ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ዝሓለፈ ሰሙን እገዳ ከሕልፍ እኳ እንተወሰነ፣ እቲ እገዳ ዝተነብረሎም ሰበ ስልጣን ይኹኑ ተቓወምቲ ብንጹር ኣየስፈረን።

ፕረዚደንት ሬክ ማሻር፣ ኣመሪካ ነቲ ብምሉእ ድምጺ ዝሓለፈ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንድጋፋ’ውን ወቒሱ።

15 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘጽደቖ ማዕቀብ፣ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ምዝርራጝ ቀንዲ ተዋሳእቲ ንዝኾኑ ሰበ ስልጣንን ተቓወምትን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረቶም ክድስክልን ናይ መገሻ እገዳ ድማ ክግበረሎምን ዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ እገዳ ዝንበረሎም ወገናት እታ ሃገር ኣየነጸረን።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0