ዘተ ሰላም የመን ብዘይፍረ ተዛዚሙ

ዘተ ሰላም የመን ብዘይፍረ ተዛዚሙ

yemውግእ ሓድሕድ የመን ንምዕራፍ ኣብ ኩወይት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ዘተ ሰላም፣ ገና ኣብ ፍረ ከይበጽሐ፣ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝደናገጽ ሑቲ፣10 ዝኣባላቱ ባይቶ ብምምስራት ንየመን ዘመሓድር ሓድሽ መንግስቲ ከምዘቕውም ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፣ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ብሑቲ ከምዘይቅበሎ’ኳ እንተፍለጠ፣ እቲ ዘተ ሰላም ግና ኣብ ዕጹው ማዕጾ ከምዘይበጽሐን ገና ክቕጽል ምዃኑን ሓቢሩ።
ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ፕረዚደንት ዓቡራቦ መንሱር ሓዲ ካብ ስልጣን ክእለ ዝብል ሓደ ካብ ቀንዲ ጠለባቶም ስለዘይተተግበረ፣ ዝሓበረት የመን ንምምስራት ዝግበር ጻዕርታት ፍረ ኣልቦ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓዲ ዝደናገጹ ዕጡቓት ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ከተማ ሰንዓ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብምኽፋት፣ ንምምሕዳር ነህም ካብ ሑቲ ክምንዝዑ ይዋግኡ ከምዘለዉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ኣመልኪቶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0