መንግስቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ጸዊዑ

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ጸዊዑ

fmiመንግስቲ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታቱ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ካብ ከተማ ኢዮርሳሌም ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፣ ዜጋታቱ ናብ ዞባ ጎንደር ናይ ኢትዮጵያ ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ጎንደር ብዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ሰራዊት መንግስቲ ብዝሃቦ ጨካን ምላሽ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ሓያሎ እውን ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
እዚ ኣብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን፣ ንለውጥን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅዋምን ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ናብ ወሊሶን ኣምቦን ዝተባህላ ከተማታት’ውን ልሒሙ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብተወሳኺ ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታቱ እውን ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ጸዊዑ’ሎ።
ጎንደር ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ኣይሁዳውያን ዝነበሩዋ ከተማ ስለዝኾነት ሓያሎ እስራኤላውያን ነታ ከተማ ክበጽሑዋ ከምዝፈትዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0