‘ዘሻቕለና ዘሎ፤ ስለምንታይ ሰራዊት ብምስጢር ኣብ ኤርትራ ክዕለም ተደልዩ እዩ’ ሰበስልጣን ሶማል

Radio Erena: 21 February 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ወተሃደራት ሶማል ከምዝተሳተፉ ዘመልክት ጭብጢ የለን ክብል ኣብቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ከካዪድ ዝጸንሐ ጉጅለ ገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ከሰልጥኖም ዝጸንሐ ወተሃደራት ናብ ትግራይ ኣዋፊሩ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ክውረ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣዴታት’ቶም ሶማላውያን ተዓለምቲ መንግስቲ ምላሽ ክህበን ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያደን ዝዝከር’ዩ።
ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ሶማል ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ንሶማላውያን ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፣ ስለምንታይ ሰራዊት ሶማል ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ከምዝዕለሙ ተገይሩ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም።
ወተሃደራት ሶማል ኣብ ቱርኪ፣ ዩጋንዳን ጂቡቲን ክዕለሙ ዝጸንሑ እኳ እንተኾነ፣ ናይ’ዞም ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዘለዉ ግና ፍሉይ ዝገብሮ፣ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዘይኮነ፣ ብቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ ይካየድ ምህላዉ ብምዃኑ’ዩ።
እቲ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ናብ ኤርትራ ክዕለሙ ምስከዱ ደሃይ ኣጥፊኦም ንዝተባህለ ክሲ’ውን፣ እቶም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ንምርካብ ዘኽእሎም ኣጋጣሚ ከምዘየለ እዩ ጠቒሱ።
እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘይካ’ቲ ሰራዊት ኣየነይቲ ሃገር ተሳቲፎም ዝብል ሕቶ፣ ካልእ ዓበይቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ተፈጺሞም እንተኾይኖም ንምጽራይ እውን ብናጻ ኣካል ምጽራይ ከይግበረሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ብሓያሎ ወገናት ዝኽሰስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0