ሃገራዊ ባንኪ ሱዳን፣ ሸርፊ ባጤራ ብልዕሊ 600% ኣዛይዱ

Radio Erena: 21 February 2021

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ፓውንድ እት ሃገር ብልዕሊ 600% ከምዘዛየዶ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፣ ኣቐዲሙ ንሓደ ዶላር 55 ፓንውድ ሱዳን ዝሽረፍ ዝነበረ፣ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ሓደ ዶላር ኣስታት 375 ፓንውድ ሱዳን ክሽረፍ’ዩ።

እዚ ድማ ምስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ክሽረፈሉ ዝጸንሐ መጠን’ዩ።

እቲ ባንክ፣ ብሰንበት 21 ለካቲት፣ ምውሳኽ መጠን ሸርፊ ባጤራ ዝኣወጀ፣ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት መወልቲን ብዘቕረባሉ እማመ መሰረት’ዩ።

እቲ ኣዋጅ፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ክትግበር መደብ ተታሒዙሉ እኳ እንተነበረ፣ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታትን ወሰኽ ዋጋታቱን ከምዝተደናጎየ’ዩ ተመልኪቱ።

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንመጠን ናይ ውጻኢ ሸርፊ ምስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝጸንሐ ሸርፊ ኣማዓራርይዎ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር ምስ ዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ መጠን ሸርፊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ’ውን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብዝተዓጻጸፈ ክንህር ከምዝኽእልን እታ ሃገር ድማ ናብ ገዚፍ ዝቕባበ ከይትሽመምን ተንተንቲ ቁጠባ ስግኣቶም ይገልጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0