ዕጡቕ ሓይሊ ምንቅስቓስ ንናጽነት ሱዳን (SLM) ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኣል ቡርሃን ተሰሊፉ

Radio Erena: Wednesday, 02 August 2023

 

ዕጡቕ ሓይሊ ምንቅስቓስ ንናጽነት ሱዳን (SLM) ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኣል ቡርሃን ተሰሊፉ ይዋጋእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መራሒ ናይቲ ውድብ ሙስጣፋ ታምቡር ብሰኑይ 01 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊቱ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጎድኒ ወተሃደራት ኣልቡርሃን ተሰሊፎም ምህላዎም ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ዳርፉር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፣ 70 ዝኾኑ ኣባላት ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ከምዝቐተሉ ገሊጹ።

ሓያሎ ዕጡቓት ውድባት ሱዳን፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማእከላይ መርገጺ ብምሓዝ ኢድ ከምዘየእትዉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም። እቶም ኣብ ‘ስምምዕ ሰላም ጁባ’ ዝፈረሙ ኣካላት ከኣ፣ ንብረት ህዝብን መንግስትን ኣብ ምሕላው ጥራይ ተውፊሮም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

ሙስጣፋ ታምቡር ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ኣቡ በከር ኣል ሰዲቕ ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ ዓሪዶም ዝነበሩ ምልሻታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ፣ እቶም ምልሻታት ምዉታቶምን ቁሱላቶምን ራሕሪሖም ከምዝሃደሙ ሓቢሩ።

ምንቅስቓስ ንናጽነት ሱዳን፣ ካብቲ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ብዓብደል ዋሂድ ኑር ዝምራሕ ዕጡቕ ውድብ ኣብ 2018 ተነጺሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ውድብ ዝመስረተ ሓይሊ እዩ።

ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወተሃደራውያን ሓይልታት፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ፣ ህዝቢ ዕድል በብዝረኸቦ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሰግር ምህላዉ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0