ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ብምጥሓስ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ 140 ኢትዮጵያውያን  ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ

ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ብምጥሓስ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ 140 ኢትዮጵያውያን ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 18 April 2016

gamb

ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ኣብ ኣብ ዞባ ጋምቤላ 140 ሰባት ከምዝቐተሉ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

እታ ማዕከን ዜና ንሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ ዓሌት ሙሪለ ዝኾኑ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ብዓርቢ 15 ሚያዝያ ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 140 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣመልኪታ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ ዝወሰድቆ ናይ ግብረ መልሲ ስጉምቲ ኣስታት 60 ካብቶም ዕጡቓት ከምዝቐተሉ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

 

መጥቃዕታት እንተ ቀጺሉ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ኣብ መሬት ደቡብ ሱዳን ነቶም ዕጡቓት ናይ ምህዳን ስርሒት ክቕጽሉ ምዃኖም ኣጠንቒቑ።

እቲ ብዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዞባ ጋምቤላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢድ ከምዘይብሉ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ምስ ጋምቤላ ዘዳውብ ከባቢ ዝርከቡ ዓሌታት ብሰንኪ ጥሪትን መጋሃጫን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዘካይዱ ይንገር።

ጋምቤላ፣ ካብ ግጭት ዝሃደሙ ኣስታት 280 ሽሕ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ተዓቝቦምሉ ዝርከብ ዞባ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0