ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 14 ዓመቱ ኣቝጺሩ

ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 14 ዓመቱ ኣቝጺሩ

Radio Erena: 15 April 2016

mele isu

ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 14 ዓመቱ ኣቝጺሩ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዶባ ኣሳቢቦም ኣብ 1998 ዝወልዕዎ ኵናት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ድሕሪ ምህላቑን ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ድሕሪ ምምዝባሉ፣ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዓ.ም ኣብ ኣልጀርስር ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይዝክር።

ብመሰረት እቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኸተምዎ ስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ከኣ፣ ዘሰሓሕቦም ዶባት ናብ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶባ ድሕሪ ምቕራቡ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምሃቡ ኣይርሳዕን።

 

ኮሚሽብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ኣውራ ካብ ዘሰሓሓበ ባድመን ከባቢኡን ናይ ኤርትራ ምዃኑ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን፣ ተወሳኺ ቅድመ ኩነት ብምቕራብ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ቅድሚ ምርካቡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ከምዝደሊ ብምሕባር፣ ውሳኔ ናይቲ ኮሚሽን ኣብ ባይታ ንኸይትግበር ዕንቕፋት ኮይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብ 13 ሚያዝያ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ናይ መወዳእታን ቀይዳን ብምዃኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ከይስሓበ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይገብር ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተወሰን ከባቢታት ከይስሕብ 5 ነጥብታት ዝሓቖፈ ናይ ዘተ ቅድመ ኵናት ብምቕራቡ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት ሃዋሁ ከምዝሽመማ ጌርወን ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብያ ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶብ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቕመ፣ ዴሞክራስያዊ ምርጫ ከይካየድን ነዚ ሕቶ’ዚ ንዘልዓሉ ሰበ ስልጣን ነበረን ጋዜጠኛታትን ሃለዋቶም ኣጥፊኡ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት፣ ወያነ መሬትና ጎቢጡ እንከሎ ብዝብዝል ምስምስ፣ ንመንእሰያት ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ዕስክርና ከምዝጽመዱ ጌሩ።

እቲ መንግስቲ ኣብዚ 14 ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ይኹን ጉዳያት ወጻኢ ጽገናታት ክገበር ብዘይምኽኣሉ’ውን ብኣማኢት ኣኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታቱ ክርሕርሕዎን ኣህጉራዊ ተነጽሎ ከጋጥሞን ይርአ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0