ዕጡቓት ሺዓ-ሁቲ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ የመን ተቖጻጺሮም

ዕጡቓት ሺዓ-ሁቲ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ የመን ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 16 October, 2014

Hodieda yemen

ዕጡቓት ተቓወምቲ ሺዓ ናይ የመን ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ተቖጻጺሮም።

እቶም ዕጡቓት፣ ንከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ምስ መንግስቲ የመን ስምምዕ ሰላም እኳ እንተኸተሙ፣ ንወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ብዘይዝኾነ ኵናት’ዮም ክቖጻጸርዋ ክኢሎም።

ሓድሽ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ምቛም መስርሕ ኣብ ምክያድ እንከሎ’ዩ ተቓወምቲ ሁቲ ነዛ ወደብ ዝተቖጻጸርዋ።

 

ካብ ኢራን ፖለቲካውን ወትሃደራውን ደገፍ ከምዝግበረሎም ዝግለጹ ተቓወምቲ ሁቲ፣ ንወደብ ሖዴዳ ምቑጽጻሮም፣ ካብ ኢራን ክልኣኸሎም ንዝኽእል ደገፍ በዚ ወደብ ክጥቐሙ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዛ ወደብ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ሁቲ ምውዳቃ፣ ነቲ ብቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ከየድቖ ዝብል ስግኣት’ውን ኣሎ።

እታ ካብ ገማግም ኤርትራ 32 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ወደብ ሖዴዳ፣ ድሕሪ ወደብ ዓደን ብዕብየታ ኣብ ካልኣ ደረጃ’ያ እትስራዕ።

ካብ ወደብ ሖዴዳ ዝተበግሱ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብቀጻሊ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ ብምእታው’ዮም ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክትሓዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0