ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ምብራቕ ሱዳን ከም ናይ ዳርፉር ኩነታት ክኽሰት ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ’ቲ ዞባ ኣጠንቒቑ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ምብራቕ ሱዳን ከም ናይ ዳርፉር ኩነታት ክኽሰት ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ’ቲ ዞባ ኣጠንቒቑ

Radio Erena: 17 October, 2014

Eastern Leader

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ምብራቕ ሱዳን ከም ናይ ከም ዳርፉር ተመሳሳሊ ግጭት ክኽሰት ከምዝኽእል መራሒ ሃገራዊ ምንቕስቓስ ምብራቕ ሱዳን ኤል ኣሚን ዳውድ ኣጠንቒቑ።

እቲ መራሒ ናይቲ ምንቕስቓስ ምስ ጋዜጣ ኤል ጣሪግ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ዞባ ምብራቕ ሱዳን እቲ ካብ ምዕባለን ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን እናተነጸለ ብምምጽኡ ሓደ መርኣያ ኣብነት ናይዚ ከኣ ኣብቲ ዞባ ገኒኒ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

ምብራቕ ሱዳን ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኽቢቡ ከኣ ምስ ናይ ዳርፉር ዝመሳሰል ኩነታት ክኽሰት ከዝኽእል ኣመልኪቱ።

ንከባቢታት ገዳርፍን ከሰላን ከምኡ ድማ ፖርት ሱዳን ዘጠቓለለ ዞባ ምብራቕ፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቓዊ ተቓውሞ ቤጃን ራሻይዳ ክካየደሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ 2006 ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ከምዝተኸተመ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ብረቶም ኣውሪዶም ዝነበሩ ዕጡቓት ቤጃን ራሻይዳን ዳግም ተቓውሞታት ኣብ ምውዳብ ይርከቡ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0