“ዕደና ቢሻ ድሕሪ ጽገና ናብ ንቡር ንጥፈታቱ ተመሊሱ።” ኩባንያ ኔቭሰን

“ዕደና ቢሻ ድሕሪ ጽገና ናብ ንቡር ንጥፈታቱ ተመሊሱ።” ኩባንያ ኔቭሰን

Radio Erena: 31 March 2015

bishGo

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ነቲ ኣብ ቢሻ፣ ብሰንኪ ቴክኒክን ብ20 መጋቢት ዘጋጠመ መጥቃዕትን ተበላሽዩ ዝነበረ ኣቑሑ ብምዕጽጋን፣ ንቡር ናይ ዕደና ንጥፈታቱ ክቕጽል ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ዓደና ኔቭሰን ትማሊ 30 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ኩባንያ ንቡር ንጥፈታቱ ክቕጽል ዝኸኣለ ካብ 26 መጋቢት ኣትሒዙ’ዩ።

 ኔቭሰን ብ13 መጋቢት ቴክኒካዊ ጸገም ከምዘጋጠሞ ብምሕባር፣ ክሳብ እቲ ዝተበላሸወ ኣቕሑ ዝቕይር ንክልተ ሰሙን ዕደና ደው ከብል ምዃኑ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ብ20 መጋቢት ወጋሕታ ኣብቲ ናይ ዕደና ቦታ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ወይ ጉጅለ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ይዝከር።

ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ማዕድን ዝተጻረየሉ ሓተላን ረሳሕ ፈሳስን ኣብ ዝኽዘነሉን ገንኢ፣ ላሕኵ ማይ እኳ እንምተጋጠሞ እቲ ኩበንያ ብኡ ንብኡ’ዩ ክጽግኖ ክኢሉ።

እቲ ብ13 መጋቢት ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገም ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ብመሰረት እቲ ዝወጠኖ መደብ ኣብ 26 መጋቢት ንጥፈታቱ ናብ ንቡር ክምለስ ክኢሉ ኣሎ።

ኔቭሰን፣ ዝግልገለለን ዘሎ ጀነሬተራት ብዝሓደሳ ንምትካእን ማዕድን ዝተጻረየሉ ሓተላን ካልእ ጎሓፍን ብዝጸፈፈ ዝመሓደረሉን ተወሳኺ ናይ ጽገና መደባት ኣብ መወዳእታ 2015 ከተግብር ምዃኑ’ውን ኣብዚ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ርእስቲ’ቲ ኣቐዲሙ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ካብ 160 ክሳብ 175 ሚልዮን ፓውንድ ነሓስ ከውጽእ ትጽቢት ኣለዎ።

ኣብ ቢሻ ካብ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቕን ነሓስን ዝርከብ ኣታዊታት፣ ኣብ ክንዲ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብቀጥታ ዝመሓደር ብምዃኑ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎን ንብልሽውናን ምጥፍፋእን ዝዕድምን’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ’ዮም።

እቲ ብ20 መጋቢት ኣብ ቢሻ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ’ውን ምስዚ ዘተሓሕዝዎ ብዙሓት’ዮም።

እቲ ኔቭሰን ‘ኣዕናዊ ገነባዊ መጥቃዕቲ’ ክብል ዝገለጾ ፍጻሜ፣ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኤርትራ ሓደ ካብ ዝዓበየ መዘራረቢ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ መጥቃዕቲ፣ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘካየድኦ ዝገልጽ ሓቅነት ዘይብሎ ሓበሬታ’ውን ክዝርጋሕ ተራእዩ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፣ “ብኢትዮጵያ ተጠቒዐ ዝብል ወገን ክሳብ ዘይሃለወ መልሲ የብልናን” ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ብነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ከምዘይተኻየደ ክረጋገጽ እኳ እንተኸኣለ፣ መን ከምዝፈጸሞ ግና ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቢሻ ይኹን ማይ ዕዳጋ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0